ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዝርከብ ናይ ስራሕ ጉጅለ፡ ንኮንዶሚኒየም ወይ ብቋንቋ ሽወደን ቦስታድስራተር፡ ንንኡስ ክራይ ዝጸንዐ ጠለባት ክቐርብ ሓሳብ ኣቕሪቡ። እዚ ነብቶም ኣባይቶም ብዝለዓለ ዋጋ ዝካረዩ ሰባት ዝያዳ ቊጽር ክግበር እውን ይደሊ ከምዘሎን ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ሓቢሩ። ኣሜልያ ሩድ ስቴንሎፍ ካብ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ኣብዚ ቅንያት ወጻኢታት መነባብሮ ኣዝዩ እናኸበረ ይመጽእ ብምህላዉ መንእሰያት ዝያዳ ከምዝተሃስዩን ትዛረብ። እዚ እማመ ኣካል ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዝካየድ ዘሎ ዝዓበየ መስርሕ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ መዳያት፡ ከም ኣባይቲ፡ ሓደስቲ ፖሊሲታት ንምምጻእ ይጽዕር ኣሎ