ትማል ሰሉስ፡ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ማእከላይ ሶርያ ከም እተፈጸመን ኣብ ከተማ ደማስቆ ነትጒ ከም እተራየን ኣገልግሎት ዜና ሶርያ ገሊጹ።
እዘን ነፈርቲ ኲናት እስራኤል ክሊ ኣየር ሊባኖስ እናጠሓሳ ይመጻ ምህላወን ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ በቲ መጥቃዕቲ ዝወረደ ዕንወይ ወይ ሞት ብዛዕባ ምህላዉ ኣይጠቐሰን።
እንተኾነ ግና ተዓዛቢ መሰል ደቂ ሰባት ሶርያ ዝተሰምየ ትካል፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብውሕዱ ሓሙሽተ ወተሃደራት መንግስቲን ሰለስተ ካልኦትን ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ እስራኤል ብዛዕባ እዚ ክሲ ዛጊት ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበን ።