ኣብታ ናጽነታ ዝኣወጀት ዛጊት ግና ኣፍልጦ ማሕበረሰብ ዓለም ዘይረኸበት: ሪፓብሊክ ሶማሊላንድ: ሓድሽ ወደብ ከም እተመረቐ ተገሊጹ። እዚ ወደብ ኣብ መንጐ ሶማሊላንድን ዞባ ወሽመጥ ዓደንን ዘሎ ናይ ንግድ ንጥፈታት ከደንፍዕ እዩ ዝብል ግምታት ምህላዉ እውን ተመልኪቱ።
ብዘይካዚ: ነታ ወደብ ኣልቦ ኢትዮጵያ ዓብዪ ሓገዝ ዝህብ ክኸውን እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ዝሓለፈ ወርሒ: መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዱባይ ዝመደብሩ DP World ዝተባህለን ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ትካል ምህናጽ ወደብ: ኣብ በርበራ ሓድሽ ወደብ ንምህናጽ ዘኽእሎም ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ውዕል ምኽታሞም ዝዝከር እዩ።
ፕረሲደንት ሶማሊላንድ: ሙሲ ቢሂ: ብዛዕባ ንምኽፋት እዚ ሓድሽ ወደብ ኣመልኪቱ ንመሻርኽቲ ምስጋናኡ ኣብ ትዊተር ሰዲዱ’ሎ።