ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ እትርከብ ወረዳ ኢሮብ ዝወጽኡ 15 መናእሰይ ጣቢያ እንዳልጌዳ፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ምሟቶም፡ ብዙሓት ኣሕዚኑን መዘራረቢ ኮይኑ ቀንዩን።
እዚ ናይ ቀረባ ተጓንፎ ድኣ ብኣብነት ኣልዒልና እምበር፡ ኣብ ኬኒያ፣ ታንዛኒያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሊቢያን ካልኦትን ዝተረኸቡ ኢትዮጵያውያን ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ተኣሲሮም፣ ባሕሪ ከቋርጹ ሞይቶም ዝብሉ ዜናታት ምስማዕ ድማ፡ ሓድሽ ኣይኾነን።
ኣብታ ሃገር፡ በብዓመቱ ካብ ማእከላት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ተመሪቖም ዝወጽኡ ተምሃሮ ቑጽሮም ውሑድ ኣይኮነን። በዚ ጸገም ቀረብ ሓይሊ ሰብ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ነዚ ቑጽሪ ዝሓቑፉ ዕድላት ስራሕ ኣብ ምፍጣር ዘለው ሃጓፋት ግን ብዙሓት’ዮም።
ስለ ዝኾነ፡ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝህልዋ ቀረብ ዕድላት ስራሕን ፈጠራ ስራሕን ብዝሰገረ፡ ብሞያ ብምስልጣን ናብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ሓይሊ ሰብ ምልኣኽ ከም መደብ እትሕዞ መማረጺ’ዩ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ወግዓዊ ስምሪት ስራሕ ከም ዝተጀመረ ዝጸብጸባ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ድማ፡ ተቛሪጹ ዝነበረ ጉዕዞ ስምሪት ስራሕ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ሕጋውን ሞያውን ብዝኾነ ኣገባብ ንምጅማር ምድላው ክግበር ምጽንሑ ኣጋዊሐን።
ብምኻኑ ድማ፡ ኣብ ቀረባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ 50 ሽሕ ዝኸውን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ናብ ሕቡራት ዓረብ ኢመራት ንምልኣኽ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ገሊጹ ነይሩ።
ንምኻኑ ኢትዮጵያውያን ስለምንታይ፤ በየናይ ኣንፈት ናብ ስደት ይወጽኡ?
ሰንሰለት ዘይሕጋዊ ደለልትን ኣስገርትን ምብታኽ፡ ዓብዪ ጸገም ከም ዝኾነ ይዝረበሉ። እዚኦም፡ ክጭበጥ ዘይኽእል ሓያል መርበብ ኣለዎም ተባሂሉ’ዩ ዝእመን።
ይኹን’ምበር፡ ጸሓይ እቶም ነዚ ዝቃለሱ ኣካላት በሪቓ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እንትኣትው ዝውሃቦም ቕጽዓት ናይ ልቢ ዝመልእ ኣይኮነን።
እዚ ዝብል ክትትል ማሕበራዊ ጉዳይ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን እቲ ክልል ዝኾነ ኣቶ ሰለሞን ኣብርሃም’ዩ።
“ኣብ ትግራይ ክተሓዙ ከለው ዝወሃቦም ቕጽዓት መምሃራይ ኣይኮነን፤ ብዋሕስ ዝወጽኡ ኣለው። መምሃራይ ስጉምቲ ክውሰዶም ከም ዘለዎ ግን ባዕሉ እቲ ስራሕ የርእየና’ሎ” ብምባል ዘይሕጋዊ ስደት ኣካል እቶም ዘለው ማሕበራዊ ቅልውላዋት ምኻኑ ይጠቅስ።
ምምሕዳር ዞባታት ምብራቕን ደቡብን ትግራይ፡ ብልዑል ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ ዝተጠቕዓ ዞባታት እየን። ስዑዲ ዓረብን ጥልያንን ድማ፡ ካብዞም ከባቢታት ዝብገሱ ስደተኛታት መወዳእትኦም ገይሮም ዘነጽሩወን ሃገራት እየን።
መስመር ዓፋር-ጅቡቲ፣ ናብ ጥልያን ድማ ሑመራ-ሊቢያ ይጥቀሙ። ብሶማሊያ ጅግጅጋ ገይሮም ናብ የመን ንምእታው ዝብገሱ’ውን ዉሑዳት ኣይኮኑን።
መናእሰይ ግዳያት እዚ ጉዕዞ እንትኾኑ፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾና ዝዛረብ ኣቶ ሰለሞን፡ “ናብ ስዑዲ ዓረብ እየን ዝኸዳ፤ ንምንታይ እንትብሃላ፡ ብጉልበትና ድሓን ክንክፈል ስለ እንኽእል ይብላ” ኢሉ።
ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝሓሸ ነገር ይርከብ’ዩ ዝብል ግጉይ እምነት፣ ናይ መሓዛ፥ ስድራን ዘይሕጋዊ ደለልትን ጸቕጢ ከም ዘሎ ዝገልጽ ኣቶ ሰለሞን፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ብምምጻእ ኣብ ዓዶም ስራሕ ዝረኽብሉ ባይታ ንምፍጣር ንሰርሕ ኢና ዘለና ይብል።
ቑጽሪ ስደተኛታት
Mixedmigration ceneter ዝተብሃለ ማዕኸን ሓበሬታን ትካል መጽናዕትን ኣብ ድረ ገጹ [www.mixedmigration.org] ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 2019፡ ቑጽሪ ካብ የመን፣ ኬንያ፣ ኢትዮጵያና ጂቡቲ ብሶማሊያ ኣትዮም ዝወጽኡ ስደተኛታት ብ41 ሚኢታዊት ወሲኹ ይብል
ኣብ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት፡ 18 904 ዝኾኑ ኢዮጵያዊያንን ሶማሊያዊያንን የመን ኣትዮም
ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ድማ ኣብ የመን ዝበጽሑ ሓፈሻዊ ስደተኛታት ድማ 74333 የይበጽሕ
ብሚያዚያ፡ ብውሑድ 40 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ የመን ህይወቶም ሓሊፉ
ምንጪ: bbc tigrinya