ካብ ገምገም ባሕሪ ቱኒዝያ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፡ ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ፡ 43 ተጓዓዝቲ ከምዝጠለቑ ማሕበር ቀይሕ መስቀል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቶም ስደተኛታት፡ ዙዋራ፡ ተባሂላ ካብ እትፍለጥ ወደብ ተበጊሶም ንማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ይፍትኑ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ተገሊጹ።
ሓላፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቱኒዝያ፡ ሞንጊ ስሊም፡ ነቲ ዘጓነፈ ሓደጋ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጉጅለ ባሕረኛታት ቱኒዝያ ን84 ተሳፈርቲ ስደተኛታት ካብ እቲ ሓደጋ ከምዘድሓኑ ሓቢሩ።
ኩነታት ባሕሪ ዝመሓየሸሉ ወቕቲ ብምጅማሩ፡ ቁጽሪ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ይውስኽ ከምዘሎ ይግለጽ።