ኣብ ስዑዲ ዓረብ ቊጽሪ ናይቶም ብሞት ዝቕጽዑ እሱራት ምውሳኹ ተገሊጹ። ኣብ 2020 እዚ ቊጽሪ ኣንቈልቊሉ እኳ እንተነበረ ኣብዚ ዓመት ግና ብናህሪ ወሰኽ ኣርእዩ ምህላዉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣመልኪቱ።
ካብ ጥሪ ክሳብ ሓምለ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ ጥራይ 40 ሰባት ብሞት ተቐጺዖም ኣለዉ። እዚ ምስ ምሉእ ዓመት ናይ 2020 እንክወዳደር ከም ዝበዝሕ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጸብጻቡ ኣረዲኡ።
ኣብ 2020 ስዑዲ ዓረብ ፕረሲደንት G-20 ምስ ምንባራ ዝወሓዱ ሰባት–ማለት 27 ጥራይ– ብሞት ከም እተቐጽዑ ጸብጻባት የመልክቱ። ድሕሪዚ ስዑዲ ዓረብ ፕረሲደንትነት እቲ ማሕበር ን ኢጣልያ ምስ ኣረከበት ግና እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ምውሳኹ ዝገለጸ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ምንካይ “ንህዝባዊ ርክባት” ተባሂሉ ዝተገብረ ምዃኑ ኣብሪሁ።