ሃገረ ስዑዲ ዓረብ፡ ሙስጣፋ ኣል ዳርዊሽ፡ ንዝተባህለ ወዲ 17 ዓመት እናሃለወ፡ ናዕቢ ኣለዓዒልካ ተባሂሉ ተኣሲሩ ንዝጸንሐ ሰብ ብሞት ምቕጽዓ ተገሊጹ።
ሙስጣፋ፡ ኣብ 2015 ወዲ 17 ዓመት እናሃለወ እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ሙስጣፋ፡ ሓደ ግብረሽበራዊ ዋህዮ ብምምስራት፡ ዕጥቃዊ ናዕቢ ከካይድ መደብ ኔርዎ ብምባል እዮም ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ ከሲሶሞ ጸኒሖም። ንሳቶም ብዘይካዚ ኣኽበርቲ ጸጥታ ክቐትል ምብጋሱን ዘይ ስነምግባራዊ ምልክታት የርኢ ምንባሩን ስእላዊ ጭብጢታት ከም ዘለዎም እዮም ዝገልጹ።
ይኹን እምበር፡ ጒጅለታት ሰብኣዊ መሰላት እዚ ክሲ ፍትሓውነት ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሪፕሪቭ ዝተባህለ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝቃወም ትካልን ከም ዝብልዎ እንተኾይኑ፡ እዚ ሕጂ 26 ዓመት ዝመልአ፡ ዳርዊሽ፡ ብዛዕባ እቲ ፈጺምዎ ዝበሃል ገበን ብብርቱዕ ምስቓይ ኣሚኑ እኳ እንተነበረ መሊሱ ቃሉ ከም ዝዓጸፈ ይገልጹ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ኣቐድም ኣቢላ፡ ንትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት፡ ብሞት ከም ዘይትቐጽዕ ቃል ኣትያ ምጽንሓ ዝዝከር እዩ።