ፕረሲደንት ቱርኪ፡ ታይፕ ኤርዶጋን፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ድሮናት ቱርኪ ዘፍረየተን ድሮን ክትገዝእ ድሌት ከም ዘለዋን እዚ ድማ ክልቲኣተን ሃገራት ንኽቀራረባ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ’ሎ።
ስዑዳዊ ጋዜጠኛ፡ ካሾግጂ፡ ኣብ 2018 ኣብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ኢስታምቡል፡ ድሕሪ ምሟቱ ዝምድና ክልቲኣተን ሃገራት ኣብ ሕማቕ ደረጃ ምውራዱ ዝፍለጥ እዩ። ብፍላይ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ፍርያት ቱርኪ ብዝገበረቶ እገዳ ንግዳዊ ዝምድንአን ምሕርፋፉ፡ እንተኾነ ግና ክልቲኣተን ሃገራት ዝምድናአን ከመሓይሻ ድሌት ከም ዘለወን ክገልጻ ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ።
ቱርኪ ኣብ ዓለምና ካብተን ናይ ኲናት ድሮን ብምስራሕ ዝፍለጣ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ ኣዘርባዣን ኣብ ልዕሊ ኣርሜንያ ኣንጸባራቒ ዓወት ከተመዝግብ እዘን ድሮናት ዓብዪ ኣስተዋጽኦ ምግባረን ዝዝከር እዩ።
ኣቐድም ኣቢላ ሱዑዲ ዓረብ፡ ምስታ ጎሬቤት ሃገረ ቱርኪ ዝኾነት ግሪኽ፡ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ታዕሊም ምክያዳ፡ ንቱርኪ ከምዘቖጣዓ ዝፍለጥ እዩ።