ስዌድ ባንክ ኣብ ሃገራት ባልቲክ ንዝካየዱ ናይ ገንዘብ ምሕጻብ ቁጽጽር ብቑዕ ምክትታል ብዘይ ምግባሩ ንዝጀመረ መርመራ ብወገን በዓል መዚ ምምያ ገንዘብ መንግስቲ ሽወደን (Finansinspektionen) ክቕጽል ምዃኑን ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ባንክታት ሽወደን ዝኾነ ማዕቀብ ክብየነሉ ተኽእሎታት ከምዘሎ ሎሚ ኣብ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።
መንግስቲ እኹል ሓበሬታ ስለዘለዎ እዩ ነዚ ብሰንኪ ድኽመትን ሕጽረታትን ኣንጻር ስዌድ ባንክ ዝተበገሰ መርመራ ክቕጽሎን ዘድሊ ማዕቀብን ስጉምትን ክወስድን ወይ ድማ ነቲ መርመራ ከቋርጾን ክዓጽዎን ከም ዝኽእል እቲ ጸብጻብ ደጊሙ ሓቢሩ።
ኣብ ወርሒ ክልተ ናይዚ ዓመት’ዚ ሽወደናዊ ተሌቪዥን ዘቕረቦ መጽናዕቲ፡ ኣብ ስዌድ ባንክ ኣጣራጣሪ ዝኾነ ናይ ገንዘብ ምሕጽብ ስራሓት ይካየድ ከምዘሎ ምስ ሓበረ፡ ከም ሳዕቤኑ ፈጻሚ ኣካል ባንክን ኣካያዲ ስራሕ ባንክን ካብ መዝነቶም ብውልቆም ከም ዝለቐቑ ይዝከር። ድሕሪ እዚ ውርደት ዋጋታት ብርኪ ናይቲ ባንክ ብ30% ጎዲሉ። ውጽኢት ናይ ኣንጻር ስዌድ ባንክ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ኣብ ዝቕጽል ዓመተ 2020 ክዝርግሕ ምዃኑ FI መዲቡ ኣሎ።