ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ንምኽፋል ዚድንጎየ ወይ ዕዳ ዘለዎ ሰብ፡ ብስዊሽ ጌሩ ብዛዕባ ኪፍጽሞ ዘለዎ ክፍሊት ከተዘክሮ (påminnelse)ክምዝክኣል ገሩ ተዳልዩ ዘሎ። በዚ ሓድሽ ኣገባብ ንዝኾነ ክፍሊትካ፡ ብስዊሽ ኪግበረልካ ወይ ክትከፍሎ እውን ክትሓትትን ንሓደ ስዊሽ ዚጥቀም ሰብ፡ በዚ መንገዲ ስዊሽ ክኽፍለካ እውን ከምዝኽእል ኣንታይ ዳኣ እቲ ሰብ ፍቓደኛ ጥራይ ኢዩ ኪኸውን ዘለዎ፡ እዚ ድማ ነቶም ብምጽባይ ዓቕሎም ዚጸቦም ተጠቀምቲ፡ ነዚ ኣፕሊከሽን እዚ ብምጥቃም ነቲ ናይ ልቓሕ ክፍሊት ካብ ብጾቶም ኪረኽቡዎ ምሹእ ኣጋጣሚ ገሩ ከተዳልወ ተሓቢሩ።
– ተጠቀምቲ ስዊሽ ናይዚ ናይ ኣዘኪርካ ክፍሊት ምሕታት ተኽእሎ ካብ ነዊሕ ይጽበዩዎ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ዝኾነ ተወሳኺ ወጻኢታት ክትድሕን ትኽእል ኢኻ፡ ትብል አድቪንድ ኒጋርድ ናይ ስዊሽ ሓላፊት ፍርያት። እዚ ኣፕሊከሽንዚ ትማሊ ረቡዕ ካብ ሰዓት ሓደ ስራሑ ጀሚሩ ዘሎ።