እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብዚ ኣብ ሽወደንን ነርወይን ብዓለም ለኸ ደረጃ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያታት ዓበይቲ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ሰባት ዝዋሃብ ሽልማት ኖቤል ከምዝተዋህበን፣ በዚ ኸኣ ከተማታት ኦስሎን ስቶክሆልምን ብብዝሒ ኣጋይሽ ኖበል ከምዘታኣናገዳ ተፈሊጡ። ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ኦስሎ ነርወይ ዝተኻየደ ናይ ሎሚ ዘመን ሽልማት ሰላም ዝተሸለመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ኣብ ሃገሩን ምስጎረቤት ሃገሩን ዝኾነት ሃገረ ኤርትራ ብስንኪ ዝወሰዶ ተበግሶ ሰላም ንምትብባዕ ሽልማት ሰላም ከምዝተሸለመን፣ ዓቢ ዜና ኮይኑ ከምዝቐነየ ተፈሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዘይካ ምስ ጋዜጠኛታት ርክብ ኣይገብርን ምባሉ፣ ዝቐረቦ ነቐፌታ ኣብ ደገ ብዝቕመጡ ኤርትራዉያን እዉን ነቐፌታን ተቓዉሞን ኣንጻር እቲ ሽልማት ተቓዉሞ
ከምዝተገብረን፣ ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ሰላም ወሪዱ ብምባል ዝዋሃብ ሓበሬታ ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ከምይሳነይ እቶ ም ሰልፈኛታትን ተቓወምትን ከምዘቃልሑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብዘይካ እዚ ካልኦት ኢትዮጳያዉያን ተቓወምቲ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ እዉን። ብኣጋጣሚ እቲ ስነ ስርዓት ንዉሳነ ኮሚተ ሰላም ኖቤል ብምቅዋም ድምጾም ከምዘስምዑ ይንገር።