ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከባ፡ ሆስፒታል ሶደርኹክሁሰትን ዳንድሪድን፡ ብሰንኪ ብዝሒ ሕሙማት ኮቪድ-19 ን ወቕታዊ ሕማም ኢንፍሉዌንዛን፡ ሓደጋታት ሸተት ኢልካ ምውዳቕን ዘስዓቦ ዕልቕልቕ፡ ናብ “ስታፍ ሞድ” ዝተባህለ መድረኽ ከምዝተሰጋገራ ሬድዮ P4 ስቶክሆሎም ኣቃሊሑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
“ስታፍ ሞድ” ማለት፡ ምምሕዳር እቲ ሆስፒታል፡ ኣብ መንጎ ኣባላቱ፡ ግዝያዊ ዝኾነ ዳግመ ስርርዕ ምግባርን ኣየናይ ኣባል ኣበየናይ ቦታ ክኸውን ከምዝግባእ ዘኽእል መድረኽ እዩ።
እዚ ዓይነት ኣገባብ፡ ንውሕስነት ሕሙማትን ሰራሕተኛታት ተባሂሉ ዝውሰድ ስጉምቲ እዩ።