መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንዩክሬይን ኣትሒቱ ብምግማቱ ዓብዪ ጌጋ እዩ ፈጺሙ ክብል ዋና ጸሓፊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ የንስ ስቶለንበርግ ገሊጹ።
ንሱ ነዚ ዝበለ ትማል ሓሙስ ኣብ ብራሰለስ ኣብ ዝተኻየደ ጒባኤ ኔቶ ኣብ ዘስምዖ መደረ እዩ።
“ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ናጻን ሉኣላዊት ሃገር ኲናት ምጅማሩ ዓብዪ ጌጋ እዩ ፈጽሙ፡ ንጅግንነትን ሓይሊን ህዝቢን ሰራዊትን ዩክሬይን ኣትሒቱ ምግማቱ ዋጋ የኽፍሎ’ሎ” ኢሉ።