ባይቶ ሽወደን፡ ትማሊ ረቡዕ ሰዓት 3፡00 ናይ ምሸት ኣብ ዘካየዶ ምርጫ፡ መራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ክሳብ ኣብ ዓመተ 2022 ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ፡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኮይኑ ከገልግል ከምዝመረጾ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ብጸቢብ ቁጽሪ ማለት ብ176 እወ ብ173 ኣይፋል ዝብል ድምጺ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ። ኣብ ባይቶ ሽወደን፡ ሓደ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሓጽየ ሰብ፡ 175 ኣይፋል ዝብል ድምጺ እንተድኣ ረኺቡ ክምረጽ ኣይክእልን እዩ።
ባይቶ ሽወደን፡ ድሕሪ ናይ ዓመተ 2018 ባይቶኣዊ ምርጫ፡ 349 መናብር ዘለዎ ኮይኑ ናብ ሸሞንተ ሰልፍታትን ዝተመቓረሐ እዩ።
- ሶሻል ዲሞክራትና ብ 100 ወናብር
- ሞደራትና ብ 70 ወናብር
- ስቬርያ ዲሞክራትና ብ 62 ወናብር
- ሰንተር ፓርትየት ብ 31 ወናብር
- ቬንስተር ፓርትየት ብ 28 ወናብር
- ክሪስ ዲሞክራትና ብ 22 ወናብር
- ሊበራልና ብ 20 ወናብር
- ሚልዮፓርትየት ብ 16 ወናብር
ክልተ ኣባላት ሰልፍታት ዝነበራ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ሰልፍታተን ተኣልየን ብውልቀን ኣባላት ባይቶ ዝኾና ኤማ ካርልሰን ሎፍዳል ( ሰልፊ ሊበራልና) ከምኡ ውን ኣሚነህ ኮካባቨህ (ቨንስተር ፓርቲየት) ኣለዋ። ናይዚኣተን ድምጺ ምስ ናይ ቅድም ሰልፈን ዝተቖጽረ እዩ።