ፕረዚደንት ፊንላንድ ኣሌክሳንደር ስታብ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጽገና ክግበር ብኣጽንኦት ጻውዒት ጌሩ። ኣብ ፍልስጤም፣ ሱዳንን ዩክሬንን ውግኣት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ የድሊ’ኳ እንተኾነ፣ ንነዊሕ ዝኸይድ ጽገናታት እንተዘይተገይሩ ግን እቲ ትካል ትርጒም ኣልቦ ኮይኑ ክረአ ኣብ ዓይኒ መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ሕጋውነት ክስእንን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ስቱብ ኣብ ኒውዮርክ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
“ብዛዕባ ለውጢ ክሊማ ይኹን፡ ቴክኖሎጂ፡ ዘላቒ ልምዓት ይኹን ግጭት፡ ብድሆ ይቕጽል እዩ ዘሎ፡፡ እቶም ሕጂ ዘለዉ ኣህጉራዊ ትካላት ዓለማዊ ክውንነት ዘንጸባርቑ ኣይኮኑን። ዝበዝሐ ክፋል ዓለም ኣብ ዓለማዊ ትካላት ብግቡእ ኣይተወከለን፡፡ ረብሓታቶም ድማ ኣይማላእን ኣሎ፥ እዚ ክቕየር ኣለዎ” ክብል ንጽገናዊ ለውጢ ውሕሃ ጸዊዑ’ሎ።
ን ዓጋዜን ኖርዲክ ዘሳቒ ጽግዕተኛ ተሃዋስያን ኣብ ፊንላንድ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ከልቢ ተረኺቡ፡፡ እዚ ተርእዮ ንሓካይም እንስሳታት ምግራም ፈጢሩ’ሎ። እቶም ብተለምዶ ሞስ ኖዝ ቦትፍላይ ተባሂሎም ዝፍለጡ ላርቫታት ሴፈነሚያ ኡልሪቺ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝተገብረ ስሩዕ መርመራ ኣብ ሳንቡእን ሻሕለለን ሓደ ከልቢ ተረኺቦም ኣለዉ፡፡ እዚ ጽግዕተኛ ኣብ ሓደ እንስሳ ዘቤት ክረአ ሒ ፋልማዩ ምዃኑ እዩ ዝሕብር ዘሎ። እዚ ርኽበት ኣብ ላህቲ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል እንስሳታት ኤቪደንስያ ዝተረኸበ ኮይኑ፡ እቲ ከልቢ ኣብ ጫካ ክጓዓዝ ጸኒሑ ሃንደበት ሰዓልን ምቁራጽ ትንፋስን ድሕሪ ምርኣዩ እዩ እቲ መርመራ ተኻዪዱሉ። ኣብ ፈለማ እቲ ምልክታት ብሰንኪ ባዕዳዊ ነገር ከም ዝመጽእ ጠጠራታት እኳ እንተነበረ ብኢንዶስኮፒ ተወሳኺ መርመራ ምስ ተገብረ፡ ኣብ መስመራት ስርዓተ ምስትንፋስ እቲ ከልቢ ንኣሽቱ፡ ጻዕዳ ላርቫታት ተረኺቦም እዮም