ብ መሰረት መጽናዕቲ ዲሞስኮፕ ሰንተር ኤክስፕረስ (Demoskops Center for Expressen) ኣብ መራሕቲ ሰለፍታት ሽወደን ዝተገብረ መጽናዕቲ መርሒ ስለፊ ሶሻል ዲምክራሲ ስተቫን ሎቫን ዝበዝሔ ድምጺ ብምርካብ ፍትው መራሒ ተባሂሉ ክርቓሕ ከሎ መርሒት ክርስትያን ድሞክራት ዝኾነት ኢባ ድማ ካልይይ ክኽውን ከሎ መርሕቲ ሰልፊ ሞደራትና ኡልፍ ክሪስተንሰንን መራሒ ጸጋሚይ ሰልፊ ዮናስ ዮስቲድ ድማ ብማዕረ ናይ ሳልሳይ ደርጃ ሒዞም።
ብመስረት ዝተገብረ መጽናዕቲ ስተቬን ሎቨን 39 ሚእታዊት፡ ኢባ ቡሽ ቶር 37 ሚእታዊት፡ ከምእውን ኡልፍን ዮስቲድን ድማ 34 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቦም።
ሓዳሽ መርሒት ሰልፊ ሊበራል ኒጃኮ ሳቡኒ ኣብዚ ናይ ሓዱሽ ስታፊኣን ሓዳሽ ከም ሙኻና መጠን ዘተባብዕ ውጺኢት ማለት 30 ሚእታዊት ብምርካብ ማዕረ ውጺኢት ምስ መርሒት ሰልፊ ሰንታራል ኣንያ ሎውን መራሒ ሰልፊ ሽወደን ደሞክራት ጂሚ ኦክሶን ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዖም።
ኣብዚ ዝተብረ መጽናዕቲ ሰልፊ ሚልዮ ዝተሓተ ድምጺ ብምርካብ ኣብ ታሕቲ ተሰሪዑ።