ኣስታት 100 ሽወደናውያን ካብ ርእሰ ከተማ ሱዳን–ካርቱም–ክወጹ ከም እተገብረ፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን
ገሊጹ። መንግስቲ ሽወደን ዜጋታቱ ንምውጻእ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት፡ ብረቡዕ ምሸት ሰዓት 10 ከም እተወድአ፥ ዝተረፉ ንምውጽእ
ዝገብር ዘሎ ኣህጒራዊ ጻዕርታት ግና ይቕጽል ምህላዉ ወሲኹ ሓቢሩ። ዝሓለፈ ሰኑይ ዝጀመረ ናይ ምውጻእ ስርሒት፡ ዛጊት 160
ሰባት ካብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ምውጽኡ፡ ካብዚኦም እቶም 100 ሽወደናውያን እቶም 60 ኸኣ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት
ምዃኖም፥ ክሪስተርሾን ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ብዘይካዚ፥ ብኻልእ ኣገባብ ካብታ ሃገር ዝወጹ ሽወደናውያን ምህላዎም ዝገለጸ
ክሪስተርሾን፥ እዚ ሽወደናውያን ንምውጻእ ዝተገብረ ስርሒት ብጻዕሪ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተወደበ ኮይኑ፡ እቶም ዝበዝሑ ብነፈርቲ
ናብ ወደብ ጅቡቲ ክዓልቡ ተጌሮም ምህላዎም ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።