ብመሰረት ስምምዕ ጥሪ ፖሊሲ መንግስቲ ኣብ መንጐ መረጽቲ ብዙሕ ተቐባልነት የብሉን ክብል ተሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ። መረጽቲ መራሕቲ ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራሲን ኣከባቢን እዚ ዝሰዓብ ዘሎ ፖሊሲ ቅኑዕ እዩ ኢሎም ከም ዘይኣምኑ እቲ ዳህሳስ ኣመልኪቱ’ሎ።
ካብ ሸውዓተ መረጽቲ እቶም ሽዱሽተ እዚ ፖሊሲ ሕማቕ ወይ ኣዝዩ ሕማቕ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ድማ ተፈሊጡ።፡ 42 ሚእታዊት ካብዞም መረጽቲ ሰልፊታት መንግስቲ እዚ ፖሊሲ ሕማቕ እዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ 23% ከኣ ጽቡቕ እዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ብምባል ተመልኪቱ’ሎ።