ኣገልግሎት ድሕነት ሽወደን–ሳፖ፡ ግብረ-ሽበራ ንምፍጻም ውዲት ኣለዎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር
ምእታዉ፡ ትማሊ ኣፍሊጡ። እዞም ሰባት፥ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ ስቶክሆልም ምስ ዝተፈጸመ ምቅጻል ቊርኣን ብዝተሓሓዘ፥
ግብረሽበራ ክፍጽሙ ውጥን ዝነበሮም እዮም ክብል ሳፖ ሓቢሩ።
“ሳፖ መጥቃዕቲ ንምፍሻል ቅድመ-ምክልኻል ክገብር ኣድላዪ እዩ፥ እዞም ሰባት ሓደጋ ክሳብ ዘውርዱልና ክንጽበ ኣይንኽእልን
ኢና” ክትብል ኣብ ሳፖ ምክትል ሓላፊት ኣሃዱ ጸረ-ግብረሸበራ ሱዛና ትሪሀርኒን፥ ኣብ ዝለኣኸቶ ናይ ጽሑፍ ርእይቶ ገሊጻ’ላ። እዚ
ናይ ሕጂ ስርሒት ሓዊስካ፥ ምስቲ ኣብ ጥሪ ዝተኻየደ ምቅጻል መጽሓፍ ቊርኣን እተተሓሓዙ፥ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ኣህጒራዊ
ግብረሽበራ ክካይድ ዝጽውዑን ውጥናት፥ ብ ሳፖ ይምርመሩ ምህላዎም ሱዛና ወሲኻ ኣብሪሃ።
እዞም ሰባት፥ ምስ ኣህጒራውያን እስላማውያን ውድባት ግብረሽበራ ምትሕሓዝ ከም ዘለዎም ሳፖ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ
ኣመልኪቱ። በዚ ድማ ፖሊስ ትማል ሰሉስ ኣብ ሰለስተ ቦታታት እታ ሃገር ጽዑቕ ተፍቲሽ ኣካዪዶም ኣለዉ።
ብሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳ እተፈጸመ ምቅጻል ቊርኣን፥ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣስላም ከቢድ ቊጠዐን ኲነኔን
ምፍጣሩ ዝፍለጥ እዩ።