ሽወደን ንመጥቃዕቲ ሳይበር ተቓላዒት ስለዝኾነት፡ ኣብ መንግስታዊ ጽላት ዘሎ ሃጓፍ ክኢላዊ ዓቕሚ ንምምላእ፡ ኣብ መንጎ
መንግስታውን ውልቃውን ተዋሳእቲ ዝያዳ ምትሕብባር ከም ዘድሊ፥ ኣብ ኤጀንሲ ሲቪላዊ ሓደጋታት ሽወደን ሓላፊ ክፍሊ ድሕነት
ሳይበር ከሙ’ውን ውሑስ መራኸቢታት ኦከ ሆልምግረን ዝርከብዎም ክኢላታት ይገልጹ። ኦከ ሆልምግረን ሰበስልጣን ሽወደን
ብዓቕሞም ዝተኣማመኑሉ ኲነታት ኣይኮኑን ዘለዉ፥ ምኽንያቱ እቲ ዘድሊ ሞያዊ ዓቕሚ ኣየጥረዩን ይብል። ሰብመዚ መንግስቲ
ነዞም ብድሆታት ብፍጥነትን ቆራጽነትን ንምግጣም ተመረጽቲ ኣይኮኑን ይብል ሆልምግረን። ሓደ ካብቶም ብሳይበር መጥቃዕቲ
ዝወረዶም ትካላት ኣብ ሰሜን ሽወደን ዝርከብ ትካል ስጋ እዩ። ኣብቲ ዓሚ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሳይበር መላእ ስርዓት ኮምፕዩተር
እቲ ትካል ከም ዝዓነወ፡ እንተኾነ ግና ፖሊስ እዚ’ዩ ዝበሃል ሓገዝ ዘይምግባሮም ከም ዘገረሞ ወናኒ እቲ ትካል ማትያስ ይገልጽ።
“ፖሊስ ምስቲ ሽግር ዝዳርግ ምድላው ዘለዎም ኣይምስሉን” ይብል። ድሕነትን ማሕበር ኢንዱስትሪ ምክልኻልን ሽወደን ዝሓሽ
ምትሕግጋዝ ክገብሩ፥ ኣብ ጒዳይ መጥቃዕቲ ሳይበር ካብ መንግስቲ ንጹር ኣንፈት ክህሉ ከም ዝደልዩ ገሊጾም ኣለዉ። ሓላፊ እቲ
ማሕበር ሪካርድ ኡመ “ ኣብ መንጎ ብሕታዊን ህዝባዊን ጽላታት ዝሓሸ ምትሕግጋዝ ንኽህሉ ብሓባር ክንሰርሕ ከድልየና እዩ።
ብሓፈሻ ሽወደን ሃገራዊ ስትራቲጂን ውጥን ትግባረን ከድልያ እዩ” ይብል። ርግጽ’ዩ ኣብ ገለ ኣካላት መንግስቲን ብሕታውያን
ኲባንያታትን ገለ ምትሕግግዛት ኣለዉ፥ እንተኾነ ግና ቴክኖሎጂን ዓለማዊ ኲናታትን ካብዚ ምትሕብባር ብዝለዓለ ፍጥነት ይዓቢ
ብምህላዉ እቲ ዘሎ እዂል ኣይኮነን ክብል ኣተሓሳሲቡ’ሎ።