ጓል ኣንስተይቲ ብምዃና ጥራይ፡ መዝነት ናይ ፕረሲደንትነት ኣይትበቅዕን እያ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዎም ከም ዘለዉ፡ ፕረዚደንት ሃገረ ታንዛንያ፡ ሳሚያ ሱሉሕ ገሊጻ።
ንሳ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ ቅዋም እታ ሃገር ከምዚ ዝበለ መሰል ዘይህብ እንተዘይከውን ፕረዚደንት ናይ ሃገር ክኸውን እየ ዝብል ሓሳብ ፈጺሙ ኣይነበረንን ኢላ። ኣብ 2020 ንስልጣን ፕረዚደንትነት ዛንዚባር ክትወዳደሪ ኢኺ ዝበሉኒ ግዜ ኔሩ። ሽዑ “ኣይ ይትረፈኒ” ኢለዮም። ፕረሲደንት ክኸውን ፍጹም ሓሳብ ኣይነበረንን። ግን ቅዋምና ነዚ መሰል ብዘረጋግጽ ዴሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተሃንጸ ብምዃኑ፡ ነዚ መዝነት ኣብቂዑኒ ኣሎ።
ንሳ ብምቕጻል፡ ፕረዚደንት ሓደ ሃገር ምዃን ቀሊል ኣይኮነን፡ ዘይከኣል ግን ኣይኮነን ኢላ። ኣካላት መንግስቲ እንድሕሪ ብግቡእ ተወሃሂዱ፡ እቲ ስራሕ ይቐልል እዩ። ኣነ ብወገነይ እዚ ውህደት ኣካላት መንግስቲ፡ መሊሱ ክጥንክርን ብስሉጥ ዝዓዪን መንግስቲ ክቕጽል ቀንዲ ዕማመይ ጌረ እየ ዝዓዪ ዘለኹ።
ኣብ ኣፍሪቃ፡ ንሃገርና ታንዛንያ ሓዊስካ’ ደቀንስትዮ ፕረዚደንት ዘለወአን እኳ ኣንተሃለዋ፡ ዛጊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ፕረዚደንት ናይ ሓንቲ ሃገር፡ ክትከውን ትኽእል እያ ዝብል እምነት ዘይብሎም ሰባት ኣብ መንጎና እውን ኣለዉ እዮም ኢላ።