ሱዳናውያን: ንወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም: ኣብ ጎደናታት ከተማ ካርቱም ሰልፊ ኣካዪዶም። ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እዞም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶም እውን ተሓቢሩ።
ኣቐዲሙ ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ: ነታ ሃገር ንንውሕ ዝበለ ግዜ ንዝመርሐ ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምእላዩ ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪኡ ሲቪላዊን ወተሃደራዊን መራሕቲ ስልጣን ናይ ምክፍፋል ኪዳን እኳ እንተኣተዉ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ እቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ከም እተፈጸሞ ጸብጻባት የመልክቱ። ድሕሪዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ማሕዩር ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር: ዓብደላ ሓምዶክ: ናብ ስልጣኑ ክምለስ እኳ እንተተገብረ እቶም ሰፈኛታት ምሉእ ሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዝምለስ ተቓውሞኦም ደው ከም ዘየብሉ እዮም ዝገልጹ ዘለዉ።
ትማሊ እዞም ሰልፈኛታት ናብቲ ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝቕመጠሉ ቤተመንግስቲ ሱዳን: ካርቱም: ብምምራሕ “ህዝቢ ሓያል እዩ፥ ንድሕሪት ምባል የለን! ውድቀት ንጀነራል ዓብደፈታሕ ኣልቡርሃን!” ክብሉ ጭርሖታቶም ኣስሚዖም ኣለዉ።
ዝኾነ ዕልዋ መንግስቲ: ቅቡልነት የብሉን፥ ዓብዪ ሰውራና ሰውራ ታሕሳስ ህዝባዊ ትካላትን ህዝባዊ መንግስትን ንኽቐውም እምበር ንስለ ውልቀ ሰባት ኢልና ኣይኮንናን ኣካዪድናዮ” ክብል ሓደ ኣባል እዚ ሰልፊ ተቓውሞ ን AFP ገሊጹ።
ሰልፈኛታት ባንዴራ ሱዳንን ስእልታት ናይቶም ኣብዚ ህዝባዊ ናዕቢ ብመንግስቲ እተቐትሉ ሰማእታትን ሒዞም እዮም ናብ ጎደናታት ወጺኦም።