ሱዳን፡ ፈራሚት ኣባል ኣህጒራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ንኽትከውን መሰጋገሪ ካቢነ ሱዳን ብምሉእ ድምጺ ምጽዳቑ ቀድማይ፡ ሚኒስተር እታ ሃገር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዝለኣኾ ትዊተር ሓቢሩ።
እዚ ንድፊ ነቲ መንግስትነ ልኡላዊ ቆንስልን ካቢነን ናብ ሕጊ ከመሓላፎ ጸዲቑ ኣሎ። “ፍትሕን ተሓታትነትን ዓንዲ ሕቖ መትከላት ሓዳስ ሱዳን እዮም፥ ሱዳን ግዝኣተ ሕጊ ንኽሰፍን ተዓጢቕ ክትሰርሕ እያ” ክብል ዓብደላ ሓምዶክ ገሊጹ’ሎ። እዚ ክስተት ሱዳን ነቲ ብጃምላዊ ህልቂት ምዕራብ ዳርፉር ዝሕተት ፕረሲደት ነበር ዑመር ኣልበሽር ናብ መጋባእያ ICC ንምቕራብ ሓደ ስጒምቲ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ICC ጒዳይ ናይቲ ኣብ ዓመታት 2003-4 ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ጃምላዊ ህልቂት ብምክያድ እተኸሰ ዓሊ ኹሻይብ ክርኢ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።