መንግስቲ ሱዳን ካብ ደገፍቲ ስርዓት ዑመር ኣልበሺር ንዝተኻተደ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምፍሻሉ ገሊጹ’ሎ።
“ሓደ ዕልዋ መንግስቲ ኣፍሺልና ኣለና፥ ህዝቢ ነዚ ክቃለስ ኣለዎ” ክብላ ማዓከናት ዜና መንግስቲ ሱዳን ሎሚ ሰሉስ ጸብጺበን ኣለዋ።
ካብ ከተማ ኻርቱምን ጐደቦኣ ኡምዱርማንን ጽዑቕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከም ዝነበረ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ ኣብ ከባቢ ናይል ዝነብረ ቀንዲ ድልድል ተዓጽዩ ምህላዉ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
እዞም ኣካየድቲ ዕልዋ መንግስቲ ንመደብራት መራኸቢ ብዙሃን ክቈጻጸሩ ድሌታት ከም ዝነብሮም ን ሰብመዚ ሱዳን ብምጥቃስ AFP ጸብጺቡ’ሎ።
ነዚ ኲነታት ንምቊጽጻር መንግስቲ ኣድላዪ ዝበሎ ስጒምቲታት ይወስድ ኣሎ–ክብሉ እቶም ሰብመዚ ወሲኾም ሓቢሮም።
ኣብ ማእከላይ ካርቱም ትራፊክ ናብ ንቡር ተመሊሱ ምህላዉን መርመራ እዞም ሃንደስቲ ዕልዋ ኣብ ዝቐልጠአ ክጅመር ምዃኑን ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ን መሓመድ ኣል ፋቒ ሱሌይማን ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ።
መሰገጋሪ መንግስቲ ሱዳን ኣብታ ሃገር ቊጠባዊን ፖለቲካዊን ጽገና ኣብ ምግባር ብምፍሻሉ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ምህላዉ ወኪል ቢቢሲ ኣፍሪቃ ዘዳለዎ ጸብጻብ የመልክት።