ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ወጥሪ ልዒሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ሓይልታት ሱዳን፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውቦም ከባቢታት፡ ተወሰኽቲ ሰራዊት ምስፋሮምን ተገሊጹ።
እቲ ሰራዊት ናብ ህዝቡ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ “ምንም ከይትሻቐሉ ብሰላም ደቅሱ” ምባሉ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።
ብ 1 ታሕሳስ፡ ሱዳን፡ ሰራዊታ ኣብ ከባቢ ኣልፋሽቓ ዝነበረ ሰፈራታት ኢትዮጵያ ብምፍራስ ነቲ ቦታ ከም እተቘጻጸርዎ ገሊጾም ምንባሮም ዝዝከር እዩ። ብ 27 ሕዳር ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ኣልፋሽቓ ከባቢ ቢርካት ኖሪን ድሕሪ ዝተኻየደ ግርጭት 21 ኣባላት ሰራዊት ሱዳን ክቕተሉ እንከለዉ 30 ድማ ምቚሳሎም ስዒቡ እዚ ወጥሪ ምሕያሉ ዝዝከር እዩ።
ብምኽንያት ምልዕዓል እዚ ወጥሪ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ሌተና ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን “ንኢትዮጵያ ሓንቲ ስድሪ መሬት እውን ኣይንገድፈላን ኢና” ምባሉ ጸብጻባት የመልክቱ።