Källa BBC TIGRINJA
ጉዳይ ክሲ፡ ካብ ስልጣን ዝተኣልየ ፕረዚደንት ሱዳን ዝነበረ ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ስበስልጣናቱን ካብ ዝርኢ ዝነበረ ቤት ፍርዲ፡ ብቐጥታ ብተለቪዥን እናተመሓላለፈ፡ ዓሌታዊ ጸርፊ ተሰሚዑ። ነቲ ድሕሪ ዕልዋ ኣልበሽር እውን ንሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ፡ ጸረ-ዓሌትነት ካብ ምኽንያታቱ ዝገበረ ኣድማ ሱዳናውያን ከኣ መሊሱ ኣጕሂርዎ::
ጕጅለ ጠበቓታት ኣልበሽር፡ ኣብ ማእከል‘ቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኮፍ ኢሎም ንሓድሕዶም ክዘራረቡ እንከለው፡ እቲ ማይክሮፎን ክፉት ምንባሩ ፍጹም ኣየስተውዓሉን።
ሓደ ካብኣቶም፡ “እዚ‘ባርያ’ ምስቲ ክፉእ ኣፍንጭኡ ክጽለአኒ መዓት እዩ . . .” ክብል ተሰምዐ።
ብቛንቋ ዓረብ፡ ን ‘ባርያ’ ዝውክል፡ “ዓብድ” ዝብል ቃል፡ ንዘይኣዕራብ፡ ኣፍሪቃ ዝመበቈሎም ሱዳናውያን መጸውዒ/መፍለዪ ዝዝውተር ቃል እዩ፤ ንጸለምቲ መጽረፊ ድማ።
እቲ ዘረባ፡ ምስቲ ብተለቪዥን፡ ዩትዩብን ገጽ ፈይስቡክ ሱና – ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ዝፍኖ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ ምንም ምትሕሓዝ ኣይነበሮን።
እቶም ሰባት ዝዘራረቡሉ ዝነበሩ ሉቕማን ኣሕመድ ዝተባህለ ዳይረክተር ኣገልግሎት ዜና መንግስቲ ዝዀነ ህቡብ ጋዜጠኛ ካብ ስርሑ ተባሪሩ እዩ።
ኣሕመድ፡ ወኪል ቢቢሲ ዓረብ ዝነበረ፡ ወዲ ዳርፉር እዩ። ነዚ መዝነት’ዚ [ዳይረክተር] ዝተዋህቦ ድማ ድሕሪ ምእላይ ኣልበሽር፡ ኣብ መንጐ ወተሃደራትን ሲቪላውያንን ብዝተበጽሐ ምክፍፋል ስልጣን እዩ።
ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ እቶም ጀነራላት ነቲ ውዕል ምክፍፋል ስልጣን ብምስራዝ፡ ዕልዋ ገይሮም።