ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ዳርፎር ኣብ ዝተኻየደ ኲናት እተፈናቐሉ ልዕሊ 180 ሽሕ ሰባት ህጹጽ ናይ መግብን መጽለልን ረድኤት ከም ዘድልዮም፡ ማእከል ኣህጒራዊ ምክትታል ተፈናቐልቲ (IDMC) ሓቢሩ። መንግስቲ ሱዳን፡ ምስ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብምሽራኽ ነዞም ተፈናቐልቲ ዘድሊ ናይ መግብን መጽለልን ረድኤት ንምቕራብን ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም ንምትግባርን ክሰርሕ፡ እዚ ኣብ ስዊትዘርላንድ ዝመደብሩ ውድብ ጸዊዑ’ሎ።
ብመሰረት እቲ ዝኸተሞ ውዕል ሰላም፡ መንግስቲ ሱዳን፡ ንመንቀሊ ናይቲ ኣብ ዳርፎር ዝተኸስተ ግጭት ክፈትሕን ነቶም ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ ኣባይቶም ክመልስን ቃል ኣትዩ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ዳርፎር ብዝተኸስተ በይነ-ኮማዊ ግጭት፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ 184 ሽሕ ሰባት ካብ ኣባይቶም ከም እተፈናቐሉን እዚ ኣሃዝ ካብ ብዝሒ ቊጽሪ ተፈናቐልቲ ናይ ዓመተ 2019 ይዂን 2020 ዝበዝሕ ምዃኑ ድማ ተገሊጹ። መብዛሕትኦም እዞም ተፈናቐልቲ ካብታ ኣብ ምዕራብ ዳርፎር እትርከብ እቲ በይነ-ኮማዊ ግጭት ዝተኸስተላ ንእሽቶ ከተማ ኣልገነይና ከም ዝመጹ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።
ኣብዛ ከተማ ኣብ መንጐ ቀቢላ ማሳሊትን ዕጡቓት ሚሊሻን ግጭት ምክያዱ ማእከል ኣህጒራዉ ምክትታል ተፈናቐልቲ (IDMC) ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ዳርፎር እትርከብ ሓውሲ ከተማ ገሬይዳን ኣብ ምብራቕ መራን ጠዊላን (ሰሜን ዳርፎር) ምፍንቓል የጋጥም ምህላዉ እቲ ትካል ወሲኹ ጸብጺቡ።
መብዛሕትኦም ካብዞም ተመዛበልቲ ናብ ኣባይቶም ክምለሱ ድሌት ከም ዘለዎም እኳ እንተገለጹ፡ መንግስቲ ግን፡ ኣቐዲሙ ውሑስ ጸጥታ ክፈጥር ከም ዝግባእ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለዉ።
ልዕሊ ፍርቂ ናይዞም ተፈናቐልቲ፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሜኦም ምዃኖም ክብል እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።