ድሕሪ 30 ዓመታት ናይ ጽኑዕ ዝኾነ እስላማዊ ሕጊ ኣመራርሓ፡ መንግስቲ ሱዳን፡ ሓደሽቲ ዝብሎም ምምሕያሻት ከተኣታቱ ወሲኑ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ በዓል መዚ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝእገደ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይኽል።
መሰል ደቂ ሰባት ዝገፉ ሕግታት ክንኣሊ ኢና። እቶም 3% ካብ ህዝቢ ሱዳን ዝኾኑ ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ዘይኮኑ ዜጋታት ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዮ ክፍቀዶም እዩ ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ሱዳን፡ ነስረዲን ዓብዱልባር፡ ሓቢሩ። ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ሱዳን ካብ ሕጊ ሸሪዓ ዝተኣወጀሉ እዋን፡ 1983፡ ፍቑድ ከምዘይነበረ ይዝከር። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኣብ ከተማ ካርቱም፡ ጠራሙዝ ናይ ዊስኪ ናብ ፈለግ ኒል ከምዝተደርበዩ ይዝከር።
ንኣመንቲ እስልምና ግን ኣልኮላዊ መስተ ጌና ፍቑድ ከምዘይኮነ ሚኒስተር ነስረዲን፡ ቀዳም ምሸት ብመንገዲ ተለቪዥን ኣብ ዝተፈነወ መግለጺ ሓቢሩ።
ሱዳን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብመሰጋገሪ መንግስቲ ትምራሕ ዘላ ሃገር እያ። መስጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብሲቪላዊ ወተሃደራዊ ሽማግለን ሲቪላዊ መንግስትን ክሳብ ኣብ 2022 ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ዝጸንሕ ዝቖመ እዩ።
ኣብ ሚያዝያ 2019 ፡ እቲ ንሱዳን ን 3 0 ዓመታት ዝመራሕ ፕረዚደን ዑመር ሓሰን ኣሕመድ ኣልበሺር ካብ ስልጣኑ ከምተኣልየ ይዝከር።