ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ኤርና ሱልበሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ የካቲት፡ ልዕሊ 10 ሰባት ኣብ ዝተኣከብሉ ጽምብል ከምዝተረኽበት፡ ንመምርሒታት ኮሮና ምጥሓሳን፡ ፖሊስ፡ ናይ 20 ሽሕ ኖርወያዊ ክሮነ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ከምዝበየነላ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ከምዚ ዓይነት መቕጻዕቲ፡ ንፈለማ እዋን ዝተበየነ ኮይኑ፡ ክብድ ዝበለ ምቕጻዕቲ ምዃኑ፡ ፖሊስ፡ ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ምኽንያት ድማ፡ መምርሒታት ኮሮና፡ ብመንግስታዊ በዓል ስልጣን ስለዝተጣሕሰ ብምዃኑ እዩ ኢሉ።
ቀዳመትይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ይቕሬታ ምሕታታን ብሰንኪ ሕጽረት ሓበሬታ፡ ነቲ ፍጻሜ ከምዝወዓለቶን ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።
ኣብ መጨረሽታ ናይ ወርሒ መጋቢት ዝተገብረ ምርጫ፡ ህቡብነት ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ብሰንኪ ዝተኸስተ ኣጋጣሚ፡ ምንካዩ በዓል መዚ ምርጫ ኖርወይ ሓቢሩ።