መንግስቲ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ብኣውቶቡሳት፣ ባቡራትን ጀላቡን ናብ ሽወደን ከይጓዓዙ ክኽልክል ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ነዚ ዝምልከት እማመ ንኽምርመር ናብ ዝምልክቶም ተላኢኹ ኣሎ፡ እዚ ማለት ድማ መንግስታዊን ካልኦትን ትካላት ብዛዕባኡ
ርእይቶኦም ከካፍሉ ዕድል ክወህቦም እዩ። እቲ ሕጊ ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ሽወደን ብምእታዎም፥ ክኽሰት ዝኽእል ምዝባዕ
ህዝባዊ ስርዓትን ውሽጣዊ ድሕነት ንምሕላው ኣብ ጠቕሚ ክውዕል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ 2015 ሽወደን ኣዝዮም ብዙሓት
ስደተኛታት ኣብ ዝኣተዉዋ ግዜ ከምዚ ዓይነት ሕጊ ብግዜያውነት ኣተኣታትያ ኔራ እያ። እንተኾነ ግና መንግስቲ ከምዚ ዝኣመሰለ
ሕጊ ቀዋሚ ክኸውን ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። በዚ ድማ መንገዲ ኣየራት ሽወደን ሰነዳት መንነት ተጓዓዝቲ ክፍትሻ ክግበር
እዩ። እዚ ሕጊ ካብ 20 ኖቲካል ማይል ንላዕሊ ንዝኸዳ መራኽብ ተጓዓዝቲ እውን ዝምልከት ክኸውን እዩ። ኣብ ኤሪሰንድ (ካብ
ሽወደን ናብ ደንማርክ) ኣብ ዝግበር ጒዕዞ እዚ ሕጊ ኣይሰርሕን እዩ። እዚ ሕጊ ካብ ዝመጽእ ዓመት ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን
እዩ።