ኣብ ምምሕዳር ስኮና፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ይውስኽ ከምዘሎ ኣማሓዳሪ ምምሕዳር ስኮና፡ ኦልፍ ዮንሶን፡ ሓቢሩ። ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ምውሳኹ፡ ብሰንኪ ብዝሒ መርመራ ኮሮና ከምዘይኮነ ብምውሳኽ ገሊጹ።
ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ጽድያን ሓጋይን፡ ንኽተሎም ዝነበርና ኣገባባት፡ ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ንስዕቦም ከምዘየለና ዝሕብር እዩ ክብል ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዮንሶን፡ ገሊጹ።
ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ይዛይድ እኳ እንተሃለወ፡ ዛጊት ንኣሃዱታት ሓለዋ ጥዕና፡ ዘሸግር ኩነት ኣይፈጠረን ዘሎ። ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘለዉ 3፡ ኣብ ትሕቲ ሆስፒታል ተዓቒቦም ዘለዉ ድማ 12 ሰባት ከምዝርከቡ፡ ዮንሶን ሓቢሩ ክብል ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ።
ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተማሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኣብ ገለ ከባቢታት እናዛየደ ይመጽእ ኣብ ዘሎ እዋን፡ እቲ ለበዳ ኣብ መንእሰያት ብብዝሒ ይረአ ኣሎ፡ ኢሉ ከምዝነበረ ይፍለጥ።