ሰባት ብዝቐለለን ብዙሕ ወጻኢ ዘይሓትትን ኣገባብ ወንነቲ ኣባይቲ ንምግባር ዝዓለመ መርመራ ብመንግስቲ ይካየድ ኣሎ። እዚ
መርመራ ንውጥናት ተኻሪኻ-ምሽማት፥ ንክፋል ቤት ብፍርቂ ዋጋ ገዚእካ ነቲ ዝተረፈ ቀስ እናበልካ ምኽፋል፥ ከምኡ’ውን
ተኻረይቲ ነቲ ዝካረይዎ ንብረት ከም ዝገዝእዎ ዝገብር ተኽእሎታት ክርእይ እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ብዝነኣሰ መጠን ገንዘብ (ማለት
15% ዋጋ እቲ ኣባይቲ) ብምቕማጥ ዝካየድ ኣሰራርሓ ኣሸጋሪ ምዃኑ ሚኒስተር ኣባይቲን ትሕተ ቕርጺን ኣንድርያስ ካርልሰን
ብዓርቢ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ። ኣብ ገለ ከባቢታት ሽወደን ዝጸንሐ ኣገባብ ከምኡ’ውን ካብ ተመኲሮ ሃገራት ወጻኢ
ብምቕዳሕ ነዚ ሽግር ንምብዳህ ይስራሕ ምህላዉ እውን ኣመልኪቱ።
"ኣብ ኖርወይን ፊንላንድን ነዚ ዝኸውን ጽቡቕ ኣብነት ኣሎና። ኣብዘን ሃገራት ቤት ክትገዝእ ምስ እትሓስብ ፍልማዊ ዋጋ ከም
ዝጎድል ዝገብር ኣሰራርሓ ኣሎ” ክብል ካርልሰን ወሲኹ ገሊጹ።