ሰራዊት ትግራይ፡ ዝበዝሓ ከተማታቱ ተቖጻጺሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሰፊሩ ዘሎ ሚሊሻ ኣምሓራ ንምጥቃዕ፡ ኣብ ምድላው ከም ዝርከብ ቢቢሲ ምንጪታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ቃፍላይ መካይን ሰራዊት ትግራይ ንምዕራብ ገጹ ክግስግስ ከም ኣተራእየ መሰኻኽር ዓይኒ ብምጥቃስ ጋዜጣ The Guardian ሓቢራ።
ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ሚሊሻ ኣምሓራ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ፡ ብስም ምኽባር ሕጊ፡ ዝጀመሮ ኲናት ብምድጋፍ፡ ስፍሕ ንዝበለ መሬት ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽሩ ኣእትዩ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንመቐለ ከም ዝገደፋን በይናዊ ምቊራጽ ተዂሲ ምእዋጁን ዝፍለጥ እዩ። ንሱ ኣብዚ ኲናት ተወሳኺ ሰብ እንስዋኣሉ ምኽንያት የለን ብዝብል ምኽንያት ካብቲ ቦታ ከምዝለቐቐ ገሊጹ ምንባሪ ይዝከር።
በዚ ኣብ መንጎ ሰራዊት ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን መሻርኽቱን ብዝተኻየደ ኲናት፡ ኣሽሓት ሰባት ከም እተቐትሉን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ከም እተፈናቐሉን ጸብጻባት የመልክቱ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ቅትለት ናይቲ ቅድሚ ዓመት ዝተቐንጸለ ህቡብ ድምጻዊ ኣፋን ኦሮሞ፡ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኢድ ነይርዎም ዝተባህሉ ሰለስተ ሰባት፡ ገበነኛታት ኮይኖም ከም እትረኽቡ ቤት ፍርዲ ቅዋምን ጸረ ሽብርን ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ። ጥላሁን ያሚን መሻርኽቱ ከበደ ገመቹን ኣብዲ ኣለማየሁን ን 10 ዓመት ክእሰሩ እዮም ተባሂሉ’ሎ።
ጥላሁን ንሕጊ ጸረ ሽብር ብምጥሓሱ ገበነኛ ኮይኑ ከም እትረኽበ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ ከበደ ድማ ነቲ ቅትለት ብምፍጻም ከም እተፈርደ ኣመልኪቱ። ኣብዲ ኸኣ ሓበሬታ ብምሕባእ ከም ተፈርደ ተገሊጹ። ሞት ሃጫሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕን ጎነጽ ዝመልኦ ናዕብን ኣለዓዒሉ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ልዕሊ 200 ሰባት ከም እተቐትሉ ጸብጻባት የመልክቱ። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ኣጋጣሚ ከም ቀንዲ ጠንቂ ማእሰርቲ ጆሃር መሓመድን በቀለ ገርባን ምንባሩ ይዝከር።