ኣከባብያዊ ቀይዲታት፡ ነቲ ሰራዊት ሽወደን ዘካይዶ ዘሎ ቊጽሪ መዓልታት ታዕሊም ጽልዋ የሕድር ምህላዉ ብምግላጽ ገለ ሕድገታት ክግበረሎም ከም ዝደልዩ ገሊጾም ኣለዉ። ሰራዊት ሽወደን ዝደለዮ ታዕሊም ከካይድ እንተተፈቕደሉ’ውን፡ ብሕጊ ኣከባቢ ክቕየድ ምዃኑ፡ ጠበቓ ኣከባቢ እቲ ሰራዊት ኤሪካ ስትሮም ኣመልኪታ። እዚ ሕድገት ክፎኲስ እንድሕሪ ተጌሩ፡ ዝያዳ ተዂሲ ክግበር ምዃኑ–ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ።