ኣብዚ ኣየት ዝህሉ ሰፊሕ ምቅይያር ፕሮግራም ስራሕ ኣመልኪቶም፥ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ሽወደን ተቓውሞ ኣስሚዖም።
እዚ ለውጢ ፕሮግራም፥ ነቲ ዝጸንሐ ናይ 24-ሺፍት (እብረ) ኣሰራርሓ ዝቕይር እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ እናኾነ፥ ሽወደን ን ግዜ
ስራሕ ኣመልኪታ ነቲ ዝኸተመቶ መምርሒ ስራሕ ክትክተል ከም ዝግባእ፥ “ኮሚሽን ኣውሮጳ” ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ሰራሕተኛታት
ቅድሚ መብረ ምቕያሮም፥ ናይ 11 ሰዓታት ዕረፍቲ ክወሃቦም እዚ መምርሒ ስራሕ “ኣውሮጳዊ ኮሚሽን” ይድንግግ እዩ።
ብመሰረት እዚ ሕድሽ ሕጊ መብረ መጥፋእቲ ሓዊን ኣገልግሎት ድሕነትን፥ ተደጋገምትን ሓጸርትን ክግበሩ እዮም።
"ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሰራሕተኛ እየ፡ ካብ ቤተይ ሰለስተ ሰዓት ተጓዒዘ እየ ስራሕ ዝበጽሕ። በይነይ ደቀይ ዘዕቢ ኣቦ ምስ ምዃነይ፥
እዚ ሓድሽ ኣገባብ መብረ ንኣይ ኣሸጋሪ እዩ" ክብል ሰራሕተኛ መጥፋእቲ ሓዊ “ቫርምዶ” ያን ዚንማርክ፥ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ
ዝነበሮ ጻንሖት ስክፍታኡ ገሊጹ’ሎ።