መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ንሳልሳይ ስሙኑ ብዘይለውጢ ኣብ 7.9% ጸኒዑ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊንየን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቁጽሪ ናይ ሽቕለት ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ብ464 ብምጉዳሉ፡ እቲ ጠቕላላ ብዝሒ 409,545 በጺሑ።
7412 ሰባት ስራሕ ክረኽቡ እንከለዉ፡ 6948 ድማ ስራሕ ኣልቦ ተባሂሎም ኣብ መዝገብ ሚኒስትሪ ዕዮ ተመዝጊቦም።
ካብቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ እቶም 2196 ሰባት ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 24 ዓመት ዘለዉ መንእሰያት ኮይኖም፡ 10.4% ካብ ጠቕላላ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ዝሽፍን እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 227 ሰባት፡ ስሩዕ ልምምድ ክጅምሩ እንከለዉ፡ 466 ሰባት ድማ ካብ ስራሕ ክፋነዉ ምዃኖም መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ከምዘሎ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ።