ቅድሚ ወርሒ ሚያዝያ 2020፡ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ከይሳዕረረ እንከሎ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 7.4% በጺሑ ምንባሩ ይዝከር። ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ንመጀመርያ ግዜ ትሕቲ 8% ብምምዝጋቡ 7.9% በጺሑ ክብል ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ይኹን እምበር፡ እዚ በጺሕዎ ዘሎ መጠን፡ ከምእንደገና ከይውስኽ፡ ሓላፊት ክፍሊ ትንተና ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስ፡ ኣኒካ ሱንደን፡ ስክፍተኣ ትገልጽ።
ዕዳጋታት ስራሕ፡ ናይ ተስፋ ጩራታት የርእዩ’ኳ እተሃለዉ፡ ንኹሎም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ዘጠቓለለ ከምዘይኮነ፡ ሱንደን፡ ድሕሪ ምሕባር፡ ቁጽሪ ናይቶም ብውሑዱ ንሓደ ዓመት ብዘይ ስራሕ ዝጸንሑ 189 ሽሕ ሰባት ግን ክጎድል ከምዘይተራእየ ገሊጻ።
እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ግን፡ ዕዳጋታት ስራሕ ብምስሳኖም፡ ናብ ስራሕ ከምለሱ ብዙሕ ከምዘይተሸገሩ፡ ሱንደን፡ ሓቢራ።
መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናይ መንእሰያት ድማ 10.0% እኳ እንተሃለወ፡ እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት ክትብል፡ ሱንደን ኣብሪሃ።
ብመንግስቲ ዝግበር ዘሎ ድጎማታት ምስ ዘቋርጽ፡ ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ፡ እንታይ ዓይነት ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ክንግምግም፡ ኣሸጋሪ እዩ ክትብል፡ ሱንደን፡ ጸብጻባ ዛዚማ።