መንግስቲ ሽወደን ንኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኽፈል ዝነበረ ክፍሊት ንኸይውስኸሉ፡ ሰልፍታት ቬንስተርን ክርስትያን ደሞክራት ብዝሒ ድምጺ ኣብ ፓርላማ ብምጥቃም ክኽልክልዎ ከምዝደልዩ ሓቢሮም። ንሕና ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሽወደን ምትእምማን የብልናን ክብል ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ቬንስተር ጆናስ ኮስቲድት፡ ገሊጹ። ክልቲኦም ሰልፍታት ኣንጻር ነቲ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስተፋን ሎቪን፡ ኣብ ብሮክሰል ዝካየድ ዘሎ ንባጀት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝምከት ምዝርራብ፡ ተሪርን ንጹርን መልእኽቲ ንምሃብ እዩ።
ካልኦት ሰልፍታት ውን ነዚ ጉዳይ ክሕወሰኦ ንጽውዕ ክብላ ክልቲኦም ሰልፍታት ኣዘኻኺሮም። እዚ ንኤውሮፓዊ ሕብረት ዝሕሰብ ዘሎ ወሰኽ ክፍሊት ንሽወደን ክበዝሓ ምዃኑን ኣብ ካልእ ዝሓሸ ማዓላ፡ ከም ንዓበይቲ ሰባት ዝኸውን ክፍሊት፡ ንቤት ትምህርታትን ንመዋእለ ህጻናትን ዝኸውን ክፍሊታት እንተ ዝውዕል ምሓሸ። መንግስቲ ሽወደን ነዚ ዝመያየጠሉ ዘሎ ሓሳብ ንኸየተግብሮ ኩላትና ተሓባቢርና ኣብ ፓርላማ ብብዝሒ ድምጺ ክንዓግቶ ኢና ክትብል ኣደ-ወንበር ሰልፊ ክርስትያናዊ ደሞክራት ኢባ ቶር ቦሽ ንጋዜጠኛታት ኣብሪሃ።
ነዚ ብመንገዲ ኤውሮፓዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሽወደን ዝሕተት ዘሎ መጠን ዘይብሉ ክፍሊት ንምግታእ ሓባራዊ ስራሕ ንምስራሕ ብሓንሳብ ኮፍ ኢልና ምዝታይና ብጣዕሚ ሕጉስቲ እየ ትብል ኣደ-ወንበር ዲሞክራስያዊ ክርስትያናዊ ሰልፊ ዝኾነት ቶር ቦሽ። ንባጀት ኤውሮፓዊ ሕብረት ኣማልኪታ ኮሚሽነር ኤውሮፓዊ ሕብረት ናይ ሽወደን ክፍሊት ክሳብ 15 ቢልዮን ዩሮ ክበጽሕ ከምዝኽእል ሓቢራ። ሽወደንን ገለ ካብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረትን ነዚ እማመ ክቃወመኦ እንከለዋ፡ እተን ዝበዝሓ ግን ነዚ እማመ ደጊፈንኦ።