ኣብ ምምሕዳር ፊሊንጋ፡ ደቡብ ሽወደን፡ ኣብ ዝርከባ ቤት ትምህርታት መጎልበብ ጸጉሪ ርእሲ፡ መሸፈን ገጽ (ኒቓብ) ን ካልእ መንነት ተማሃራይ ዝሓብእ ክዳውንቲ ተኸዲንካ ምምጻእ ዝኽልክል ውሳኔ ብሰልፊ SD ቀሪቡ ከምዝነበረ ይዝከር። ነዚ ውሳኔ ብዝምልከት፡ ካብ ካልኦት ሰልፍታት ሽወደን ተቓውሞታትን ጸቕጥን ስለዝቐረበ፡ ሰልፊ SD ነቲ ኣመሓላሊፍዎ ዝነበረ ውሳኔ ክስሕቦ ከምተገደደ TT ሓቢሩ።
እቲ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ፡ ምስ ሕጊ ሽወደን ዘይሰማማዕ እዩ ክብል ኣብ ፊሊንጋ ሓላፊ ጉጅለታት ሰልፊ፡ ዮሃን ፐርሾን፡ ንጋዜጣ ሲድስቬኒስካ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብ ምምሕዳር ስኩርፕ ዝርከብ ብሰልፊ SD ዝምራሕ ቤት ምኽሪ’ቲ ምምሕዳር ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርታት መጎልበብ ጸጉሪ ርእሲ ምኽዳን ዝእግድ ኣካታዒ ውሳኔ ድሕሪ ምምሕልላፉ፡ ጸጋማዊ ሰልፊ ናይ ይግባይ ጥርዓኑ ናብ ቤት ፍርዲ’ቲ ምምሕዳር ከምዘቕረበ ይዝከር።
ቤት ጽሕፈት ኣሃዱ ቤት ትምህርታት፡ ነቲ ውሳኔ፡ ምግሃስ መሰል ሃይማኖትን ርእይቶኻ ምግላጽን እዩ ክብል ገሊጽዎ።