ሰልፊ ዓቃባውያን ብሰንኪ ኮሮና እቲ ቁጠባዊ ስልቲ ኪቕየር ንመንግስቲ ይሓቱ። መራሒ ሰልፊ፡ ኦልፍ ክሪስትሪክሶን እቲ ሕጂ ዘሎ ስልቲ ንሓጺር ግዜ ኢዩ ተወጢኑ ነይሩ ይብል። እዚ ናይ ሕጂ ቀውሲ፡ ካብቲ ናይ 1990ታት ፍሉይ እዩ ይብል እዚ መራሒ። ሽዑ ዓበይቲ ዘይሚዛውነታት ነይሮም፡ ሕጂ ግን ኩባንያታት ኣቕርቦትን ዓሚላትን ይስእና ኣለዋ፡ ስለዚ መንግስቲ ከም ዋሕስ ኮይኑ ኢዱ ከእቱ ኣለዎ፡ ክብል ገሊጹ። ኦልፍ ክሪስትሪክሶን ወሲኩ ምስታ ናይቲ ሰልፊ ኣማኻሪት ቁጠባ ኮይኑ እዩ ነዚ ንዚመጽእ ጽድያ ዚትግበር እዚ ሓሳብ ዘቕረበ።
እቲ ዝቐረበ ሓሳባት ነተን ኩባንያታት ከሲረን ከይዓጽዋ ማለት ሙኻኑን፣ ንሱ ድማ ንኣብነት ደሞዝ ሰራሕተኛታት፡ ሓጺር ዓመታዊ ዕረፍቲ፡ ነተን ዚኸስራ ኩባንያታት ምድጓም ይምልከት። እዚ ድማ ኣብ ወርሒ 100 ቢልዮን ክሩኑር ማለት እዩ። ሎም መዓልቲ እቲ ሰልፊ ንናይ ኣረጋውያን ኣንጻር ለበዳ ክንክን ዚውዕል 5 ቢልዮን ዶላር ሓቲቱ ኣሎ። እቲ መንግስቲ ነቲ ናይ ጽድያ ባጀት 3 ቢልዮን ሰሊዑሉ ኣሎ፡ እዚ ድማ ከከም ኩነታቱ ዝስተኻኸል እዩ።