ሽወደን ንእትቅበሎም ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ካብቲ ሕጂ ዘሎ ቁጽሪ ብዝያዳ ከተጉድል ከምዘለዋ ሽወደናዊ ተቛዋሚ ሰልፊ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ይጽውዕ። እዚ መጸዋዕታ ኣብቲ ኣብ ጋዜጣ “ስቨኒስካ ዳግ ብላደት” ዝርከብ ዓምዲ ብናይ ፓርላማ ናይ ሰልፊ ጉጅለታት ሓላፊ ዝኾነ፡ ቶብያስ ቤልስትሮምን ኣፈኛ ፖሊሲ ፍልሰት ዝኾነት፡ ማሪያ ማልመር ካብ ዝገበርዎ ሓባራዊ ዘተ ዝተጻሕፈ እዩ።
እቲ ዓምዲ፡ ሽወደን ልክዕ ከምተን ጎረባብቲ ሃገራት ዝኾና ኖርወይ፡ ደኒማርክን ፊንላንድን ዝቕበለኦ ቁጽሪ ስደተኛታት፡ (ዓመታዊ ካብ 5000 ክሳብ 8000 ዝኣኽሉ) ክትቅበል ከምዘለዋ ድኣ እምበር ዓመታዊ ክሳብ 21000 ስደተኛ ክትቅበል ከምዘይብላ ይጽውዕ።
ሽወደን ናይተን ሰላማውያን ትብለን ሃገራት ዝርዝር ኣስማት ከተዳሉ ከምዘለዋ፡ ጽፉፍ ናይ ግዴታ ምስጓግ ኣገባብ ክተተግብር፡ ጠለብ ዑቕባ ንዝተነጽጉ ሰባት ዝዋሃብ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ዶብ ክግበረሉን ፖሊሲ ምጥርናፍ ስድራቤት ክተርር ከምዘለዎን እቲ ሰልፊ ጸዊዑ።