ዝሓለፈ ሰሙን ሰልፊ ስቨርየ ደሞክራተርና SD ኣኼባ ኣብዝገብረሉ። ኣብቲ ኣኼባ ብዙሕ
መደበታቱ ከምዝቀያየር ሓቢሩ። ገላ ካብቶም ለውጥታት ምስዳት ጥንሲ ከምዘለዎ ክቕጽል፣ ሰዶማውያን ህጻን ከዕብዩ ኪኽእሉ፣ ከምእውን ድማ ሓደ ሰብ ድማ ክልተ ዜግነት ኪህሉዎ ይኽእል ዝብል እዩ።
ሓደ ሰብ ስድራኡ ሽወደናውያን ምስ ዝኾኑ ጥራይ እዩ ሽወደናዊ ዚኽወን ዚብል ዘረባ ከቋርጹዎ ከምኻኑ እዚ ሰልፊ ወሲኹ ይዛረቡ። ሰልፊ ስቫርያ ደምክርሲ ነዚ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ ብኻሎት ሰባት ዘልዎ ኣሉታዊ ጠመተ ንምጉዳል ኮይኑ፡ እዚ ሰልፊ ከም ተራ ሰልፊ ኮይኑ ክረኣየሎም እሞ፡ ምስ ካልኦት ሰልፍታት ብሓባር ኮይኖም ንምስራሕ ኪጥዕሞም ከምኡውን ኣብ ምርጫ ንኺዕወቱ ብማለት እዩ። ይኹንምበር፡ ውሑዳት ስደተኛታት ኪመጹ፡ ብዙሓት ንሃገሮም ኪጥረዙ፡ ሽወደናዊ ዜግነት ንምህላው ድማ ከቢድ ኪኸውን ግለ ካብ እቲ መርገጺ ናይ ሰልፎም ኮይኑ ከምዝቕጽል ይሕብር ዚደልዩ።