ኣብ መንጐ ወጻእተኛታትን ሽወደናውያንን ማዕርነታዊ ርክብ ክህሉን ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ዝግበር ናይ ተጻብኦ ተግባራት ክውገድን ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ብኣጽንኦት ንባይቶ ሽወደን ሓቲቱ። እዚ ሕቶ ዝመጸ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ወጻእተኛታት ሰረቕቲ ንሓደ ሽወደናዊ ክራስይዎን ከዋርድዎም ዘርኢ ናይ ቪድዮ ስእሊ ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።
ኣባል ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ሄንሪክ ቨንግ ” ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ዝፍጸም ዘሎ ምግፋዕን ተጻብኦን ምስቲ ጽልኢ ወጻእተኛታትን ዓሌትነትን ንምውጋድ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ዝሳነ ኣይኰነን” ኢሉ። ንሱ ሓልፍነት ዝወስዱ ሚኒስተራት “ተጻብኦ ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን” እንታይ ማለት ምዃኑን እንታይ ከም ዘመልክትን ኣጥቢቖም ክሓስቡሉ ዘለዎም ጒዳይ ምዃኑ ኣስሚርሉ’ሎ።