ኣብቲ ኣብ ደሴት ዮትላንድ ኣልመዳለን ዝተኻየደ ምትእኽኻብ ፖለቲካ፡ መራሒ ሰልፊ ሞደራትና ኡልፍ ክሪሰርሰን ኣብ ዘቤታዊ ቊጠባ ኣተኲሩ መደረ ኣስሚዑ። ንሱ ኣብ መደረኡ፡ ኣብ ዝቕጽል ሓፈሻዊ ምርጫ እንድሕሪ ተዓዊቶም ኣብ ወሰኽ ቀረጽ ዕግታ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ፡ ኣብቶም ዝተሓተ ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤታት ተወሳኺ ምጒዳል ቀረጽ ብምግባር፡ ኣብ ክንዲ ብድሕነታዊ ድጎማ ብስራሕ ምንባር ኣዝዩ ተባሃጊ ኲነታት ንምግባር ክሰርሕ ምዃኑ ክሪስተርሰን ቃል ኣትይ’ሎ። ንሱ ሰልፊ ማሕበራዊ-ዴሞክራሲ፡ ጸጋማይ፡ ማእከላይን ሓምላይን ሰልፊታት ኣብ ጒዳይ ባጀት እብድሕሪ ክዝትያ ኮይነን፡ ኣበየኖት ጽላታት ወሰኽ ቀረጽ ክገብራ ከም ዘለወን ክውስና ከም ዝግብአን ክሪስተርሰን ኣተሓሳሲቡ’ሎ።