ሰልፊ ማእከል ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሉፈን ዘቕረቦ ሃብታማት ምምሕዳራት ከተማ ንድኽይ ዝበላ ምምሕዳራት ክሕግዛ ዝብል እማመ ብምድጋፍ ከድምጻ ምዃነን ገሊጻ። ኣፈኛ ቊጠባን ፖከቲካን ኣል ኤሚል ካልስትሮም ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሉፈን ዘቕረቦ ሃብታማት ምምሕዳራት ከተማ ንድኽይ ዝበላ ምምሕዳራት ክሕግዛን ምምዕራይን ምምዝዛንን ክግበር ንዝብል እማመ ብምድጋፍ ከድምጻ ምዃነን ገሊጻ።
“እዚ እማመ ክትግበር እንተ ዘይተጀሚሩ ኣብ ንእስ ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ ሽግር ኣባይቲን ምዕጻው ኣብያተ ትምህርትን ክኽሰት ይኽእል እዩ” ክብል ድማ ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። እዚ እማመ ተቐባልነት እንተረኺቡ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ናብ ትግባረ ክሰጋገር ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ዋጋ ሓገዝ ካብ 9.7 ናብ 11 ቢልዮን ክሮነር ክዓቢ ይኽእል ይብል እቲ ሓበሬታ።