ሓደ ካብቶም ምስ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ኮይኑ መንግስቲ ሽወደን ኣቚሙ ዘሎ ሰልፊ ሚልዮፓርትየት፡ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ካብ ፖለቲካዊ ሂወት ዝተሰናበተት፡ ወሃቢት ቃል’ቲ ሰልፊ ዝነበረትን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ዝኾነት ኢዛቤላ ሎቪን፡ እትትክእ ሓዳስ ወሃቢት ቃል፡ ማርታ ስቲኔቪ፡ መዚዙ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ስቲኔቪ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ መወዳድርታ ንኽትዕወት፡ ካብ ቤት ምኽሪ’ቲ ሰልፊ ናይ 142 ድምጺ ድሕሪ ምርካባ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እተን መወዳድርታ ዝነበራ፡ ኣኒካ ሄርቮኒን፡ ሬቤካ ሎሞኒንን ኢሌን ሶድርቤሪን ምዃነን ይፍለጥ።
ስቲኔቪ ምስ ፒር ቦሎንድ ብምዃን፡ ንሰልፊ ሚልዮፓርቲየት ክመርሑ ምዃኖም ተሓቢሩ።
ስቲኔቪ፡ ኣብ 30 መጋቢት 1976 ዝተወልደት ኮይና፡ ካብ ዓመተ 2019 ጀሚራ፡ ከም ዋና ጸሓፊት ናይቲ ሰልፊ ኮይና ከተገልግል ዝጸንሐት እያ።