ሊበራላዊ ሰልፊ ዝተሓዘተ ህዝባዊ ደገፍ ከም ዘለዎ ሓድሽ ዳህሳስ ርእይቶ ህዝቢ ኣመልኪቱ። ስታቲቲክስ ሽወደን ንመን ምመረጽኩም ብምባል ካብ ዝሓተቶም ሰባት እቶም 2.5% ጥራይ ሊበራላዊ ሰልፊ ምባሎምን እዚ ድማ ካብቶም ካልኦት ሕጹያት ሰልፊታት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዘቐምጦን ተመልኪቱ።
ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ሽወደን ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ዓበይቲ ናይ ድምጺ ምእካብ ስራሓት ከም ዘካይድ ዝፍለጥ ኮይኑ ክሳብ 5000 ዝኣኽሉ ሰባት “ሕጂ ምርጫ እንተዝግበር ንመን ምሓረኹም” ዝብል ሕቶ ከም ዝቐርበሎም ተገሊጹ። እዞም ዳህሳሳት ኣብ ወርሓት ሕዳርን ግንቦትን እዮም ዝካየዱ።
ብመሰረት እዚ ዳህሳስ ኣብ ዝሓለፈት ዓመት ሊበራላውያን ዝተሓተ ድምጺ ረኺቦም ኣለዉ።
ሰልፊ ሊበራል ደገፍቲ ዝስእነሉ ዘሎ ምክንያት ፖለቲካኡ ናብ የማናውያን እናዘንበሉ ምምጽኡ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብኻልእ ወገን ፖለቲካ ሊበራላውያን ካብቶም ካልኦት ዝፈልዮ ረቛሒ ንጹር ዘይምዃኑ እውን ሓደ ካብ ረቛሒታት ምስኣን ደገፍ እዩ ይብል ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።
በንጻሩ ንማእከላይ ሰልፊ ዘሎ ደገፍ ወሲኹ’ሎ። ካብ ዝሓለፈ ግዜ ያት ብኽልተ ሚእታዊት ብምዕባይ 9% ደገፍ ረኺቦም ኣለዉ።
ሞደራትናን ሰልፊ ዴሞክራሲን ሽወደን እውን መጠናዊ ምውሳኽ ደ ደገፍ ከም ዘርኣዩ ተገሊጹ።