ብ”ንእሽቶ ልቢ” ብምባል ዝፍለጥ ብዓቃባዊ ሰልፊ ዝተበገሰ ቢል ብኹለን ሰልፍታት ደገፍ ምርካቡ ኣቦ ወንበር ዓቃባዊ ሰልፊ ኦልፍ ክሪስቲያንሰን ኣፍሊጡ ክብል SVT ገሊጹ።
ቆልዑ ብክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳያት ካብ ስድረኦም ተመንጠሎም ናብ ካልእ ስድራ ምስ ተወስዱ ከምእንደገና ናብ ወለዶም ክምለሱ ኣሸጋሪ ዝገብር ሕጊ ንኽጸድቕ ዘፍቅድ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ባይቶ ሽወደን፡ ቆልዑ ምስ ሓደስቲ ወለዲ ዝህልዎም ምርግጋእ ኣብ ግምት ብምእታው ንመንግስቲ ከይተጸበየ ነዚ ሕጊ ንምሕላፍ ይዳሎ ምህላዉ ተፈሊጡ።
መንግስቲ ሽወደን፡ ቆልዑ ናብ ርጉእ ኩነታት ንምስግጋር ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ነዊሕ ግዜ ብምውሳዱ፡ ኣብ ትግባረ ክውዕለሉ ዝኽእል ግዜ ሕጂ እዩ ክብል ኦልፍ ሓቢሩ።
እዚ ሕጊ ብምኽንያት እታ ኣብ ኖርሾፒን ድሕሪ ናብ ቀንዲ ወለዳ ምምላሳ ህይወታ ዝሰኣነት ጓል 3 ዓመት ህጻን ኢዝማሬልዳ ዘጋጠመ ፍጻሜ ዝተበገሰን ብ” ንእሽቶ ልቢ” እናተባህለ ዝጽዋዕን እዩ።
“ቆልዑ ኣብ ክንዲ ናብ ወለዶም ተመሊሶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝነብሩ፡ ኣብ ውሑስ ዝኾነ ኩነታት ምስቶም ሓደስቲ ስድራ ቤት ምህላዎም ምርግጋጽ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ ይብል።
እዚ ናይ ዓቃባዊ ሰልፊ እማመ ነቲ ኣቐዲሙ ብ 2015 ዝወጸ ኣዋጅ ቈልዑን መንእሰያትን ብምምርኳስ ዝወጸ ምዃኑን ነዚ እማመ ዝመርሖ ኣብ እዋን ምቛም ልፍንታዊ ሰልፊ ባዕሉ ኦልፍ ምዃኑ ይዝከር።
ቆልዑ ናብ ወለዶም ክምለሱ የብሎምን ኢልና ንኣምን ኢና ማለት ኣይኮነን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ መሰል ወለዲ ጥራይ ነተኩር ግን ውሕስነት ናይቲ ህጻን ክሕሎ ከምዘለዎ ክስራሓሉ ዝግባእ እዩ ክብል ብተወሳኺ ኦልፍ ገሊጹ።
ብዛዕባ’ዚ እማመ ዝመጽእ ሰሉስ ውሳነ ክወሃብ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
ሓላፊ ጸጋማዊ ሰልፊ ካርል ካርልሰን፡ መንግስቲ ሽወደን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ቅልጡፍ ውሳነ ብዘይምውሳዱ ነቒፍዎ’ሎ። ሓሙሽተ ዓመታት እኳ እንተሓለፈ ዛጊት ምንም ኣይገበሩን ድማ ኢሉ።
ብመሰረት ክሪስተርሰን እዚ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ዝመጽእ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ትግባረ ክበጽሕ ምዃኑ ሓቢሩ።