ሰለስተ ካብ ዓሰርተ ኖርዌጃውያን፡ ሃይማኖታዊ ኣርማታት ምቅጻል ክፍቀድ ይግብኦ ኢሎም ክሓስቡ እንከለዉ፡ 49% ግና ከም ዝቃወሙ፡ ን መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ማእከል ጌሩ እተዳለወ ሓደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ።
ዝበዝሑ ካብቶም ሃይማኖታዊ ኣርማታት ምቅጻል ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ዝድግፉ ሰባት፡ ኣድመጽቲ ፕሮግረስ ፓርቲ ምዃኖም ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ጽሒፋ’ላ። ትካል ማሕበራዊ መጽናዕቲ፡ ን ፍሪት ኦርድ ወኪሉ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ህዝቢ ኣብ ጒዳይ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ዘለዎ ኣረኣእያታት፡ ከመይ ምህላዉ ሚዛን ንምውሳድ ከም ዝሓገዘ ተገሊጹ’ሎ። ብመሰረት እዚ ዳህሳስ፡ ዝበዝሑ (ማለት 60.8%) ደገፍቲ ሰልፊ ዕዮ፡ ሃይማኖታዊ ኣርማታት ምቅጻል ግቡእ እዩ ኢሎም ኣይኣምኑን እዮም። ብዘይካዚ 43% ኖርወጃውያን ሓደ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል፡ ዓሌታዊ ምዃኑ ናይ ምግላጽ መሰሉ ምድጋፍ፡ ካብ ዓሌትነት ዘይፍለ ሕማቕ ተግባር እዩ፡ ኢሎም ከም ዝኣምኑ እቲ ዳህሳስ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።