ቤት ፍርዲ ኢስታድ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ብገበናት ዝርፋ ዝተኸሰሱ ሰባት ናይ ማእሰርቲ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ። እዞም ናይ ዝርፋ ገበናት፡ ኣብ ደቡብ ሽወደን፡ ስኮና፡ ዝርከባ ኦስተርሊንን ሶደርስሊትን ዝተባህላ ናይ ሕርሻ ከባቢታት ከም ዝተፈጸሙ መርበብ ሓበሬታ TT ኣቃሊሑ።
እዞም ሰለስተ ሰባት፡ ሓደ ወዲ 31 ዓመት ሰብኣይ፡ ሓደ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይን ሓንቲ ጓል 19 ዓመት ጎርዞን እዮም።
ግዳያት ናይቲ ፍጻመ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ንምፍርራህን ጎነጽን ከምዝተቓልዑ ምስክርነቶም ኣስሚዖም።
ቀዳመይቲ ናይ ዝርፋ ፍጻመ ብዕለት 13/01/2020 ፡ ካብ ትሪሊቦሪ ውጽእ ዝበለ ኣከባቢ ተፈጺማ። ሽዑ ግዜ ኣብ “ብሉኬት” ዝተዘርገሐ ፍርያት ንኸወዳድሩ ከምዝመጹ መሲሎም ነቲ ገበን ከም ዝፈጸምዎ እቶም ገበነኛታት ይዛረቡ።
ኣብ ቮልኾ ዝተፈጸመ ናይ ዝርፋ ገበን ብዕለት 30/01/2020 ኢዩ ተኻይዱ። እቲ ገበን ኣብ ልዕሊ ክልተ ሽማግለታት ዝኾኑ ሰብኣይን ሰበይትን ከምዝተፈጸመን፡ ነቲ ሰብኣይ ክሳብ ሃለዋቱ ዘጥፍእ ከምዝሃረምዎን ነታ ሰበይቲ ድማ ብኻራ እናፈራርሁ፡ ካዝና ንኽትከፍተሎም፡ ናይ ባንክ ካርድ ንኽትህቦምን ምስጢራዊ ቁጽሪ (pass word) ናይቲ ካርድ ንኽትነግሮምን ኣገዲዶማ።
እቲ ናይ ዝርፋ ገበን፡ ሓደገኛን ንሰባት ድማ ንልዑል ጎነጽ ዘቃልዕ እዩ ክብል ኣኽባሪ ሕጊ ክስታቱ ኣቕሪቡ።
ቤት ፍርዲ ኢስታድ፡ ነቲ ሰብኣይ ከም ቀንዲ ገበነኛ ሓሲቡ ናይ 6 ዓመታትን ፈረቓን ማእሰርቲ፡ ነቲ መንእሰይ ድማ ብናይ ስርቂ ገበን ተኸሲሱ ናይ ሓደ ዓመትን 8 ወርሕን ማእሰርቲ፡ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ኣብ ሰለስቲኡ ገበናት ዝርፋ ብምስታፋ ናይ 3 ዓመታት ማእሰርቲ ፈሪድዎም ኣሎ።
ኣብ እዋን ፍርዲ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ፡ ዓርካ ከምዘገደዳ ተዛሪባ።